ስዊዘርላንድ፣ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምዝታይ ወኪላ ናብ ኤርትራ ልኢኻ

Radio Erena: 31 March 2017

Swiss Migr

ስዊዘርላንድ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ንምዝርራብ ወኪላ ናብ ኤርትራ ልኢኻ።

እቲ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ሓላፊ ዞባ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃን ምክትል ዳይረክተር ክፍሊ ኢምግሬሽንን ቪንቸንዞ ማሲኮሊ ዝተመርሐ ልኡኽ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ኣፈኛ ክፍሊ ኢምግሬሽን ስዊዘርላንድ ሉካስ ረይደር ኣረጋጊጹ።

ስዊዘርላንድ፣ ዑቕባ ዝነጸገቶም ኤርትራውያን ብወለንትኦም ናብ ዓዶም ንምምላስ ዝወጠነቶ መደብ ከምዘይተዓወተ’ያ ትገልጽ ዘላ።

ብመሰረት መግለጺ ክፍሊ ኢምግሬሽን ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ዓመተ 2015 ጥራይ ኣብታ ሃገር ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ካብ ዝተነጽጉ ኣማኢት ኤርትራውያን እቶም 11 ጥራይ’ዮም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም።

መንግስቲ ኤርትራ ብግዴታ ተጠሪዞም ንዝመጽዎ ኤርትራውያን ከምዘይቅበል ንሃገራት ኤውሮጳ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ብወገነን፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ብወለንትኦም ናብ ኤርትራ ከይምለሱ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ስለዝገልጹ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ከርኢ’የን ዝጠልባ።

እታ ሃገር እትጽዕረሉ ዘላ ኤርትራውያን ናብታ ሃዲሞም ዝወጹላ ዓዶም ናይ ምምላስ መስርሕ፣ ንመሰረታዊ መሰላት ስደተኛታት ዝግህስ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይነቕፍዎ።

ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ በብእዋኑ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከተተኣታትዎ ዝጸንሐት ለውጥታት፣ ካብዚ መጀመርያ ወርሒ ዓመተ 2017 ኣትሒዛ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምህዳም ፖለቲካዊ ዑቕባ ከውህብ ከምዘይክእል ወሲና’ያ።

ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘማርራ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝተፈጥረ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዝታይ ወኪላተን ናብ ኤርትራ ብቐጻሊ’የን ዝልእካ ዘለዋ።

ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ጥራይ፣ ወኪላት ፈረንሳን ብሪጣንያን ንተመሳሳሊ ዕላማ ናብ ኤርትራ በጺሖም’ዮም።

ኣቐዲመን’ውን ጀርመን፣ ነርወይን ሽወደንን ወኪላተን ናብ ኤርትራ ምልኣኸን ይዝከር።

=======================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0