ስዊዘርላንድ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንስደተኛታት ዓለም ብምውካል ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ንምውድዳር የንቅዱ

Radio Erena: 03 June 2021

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንስደተኛታት ዓለም ብምውካል፣ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ ቶክዮ ንምውድዳር ኣንቒዶም ኣለዉ።

እቶም ሉና ሰለሙን፣ ሃብቶም ኣማኑኤልን ተስፋይ ፈልፈለን ዝተባህሉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጉያ እግሪን ጨመተ ቶኽሲን ንምውድዳር’ዮም ኣብ ልምምድ ዝርከቡ።

ኣብ ናይ 10 ሜትሮ ርሕቀት ጨመተ ቶኽሲ ንምውድዳር፣ ብኢጣልያዊ ኣሰልጣኒ እትለማመድ ዘላ ሉና ሰለሙን፣ ኣብ 2015 ካብ ኤርትራ ብስደት ድሕሪ ምውጽኣ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ካንቶና ሉዛን እትቕመጥ’ያ።

ኣብ ካንቶና ሞንትሮ ዝቕምጠ፣ ኣትለት ሃብቶም ኣማኑኤል ብወገኑ፣ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ጉያ እግሪ ‘ዩ ክቐዳደም።

ኣብ 2006፣ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ ጎቦWorld Mountain Running Trophy ነሓስ ዝተዓወተ፣ ኣትለት ተስፋይ ፈልፈለ ካብ ጄነቭ ድማ ተቐዳዳሚ ጉያ እግሪ ማራቶን ‘ዩ።

እዞም ኤርትራውያን፣ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ እንተተዓዊቱ፣ ኣብቲ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ፣ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ኦሎምፒክ፣ ምስታ ብስደተኛታት እትቐውም ኣህጉራዊት ጋንታ ብምጥርናፍ ክወዳደሩ’ዮም።

ዛጊት ተረጋጊጹ ብዘሎ፣ ብውሕዱ ሓሙሽተ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ፣ ኣብ ቅድድም ጉያ እግርን ብሽክለታን ክሳተፉ’ዮም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0