‘ስዉር ጥሜት የብቅዕ’፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ዲሲን ከባቢኣን

Radio Erena: 09 August 2020

መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት ውሸባ ኣንጻር ኮቪድ 19፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ጥሜት መርበብ ኣጻዊዱ ብምባል ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት ይቕጽል ኣሎ።
በዚ መሰረት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ዘካየዱዎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ‘ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ዝርከብ ህዝብና ድምጺ ሰሚዕና፣ ንምቅላሕ ከይረብረብና ክንጽዕር ኢና’ ብምባል ቃል ኣትዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪዱዎ ዘሎ ናይ ጥሜትን መከራን እዋን ዝወጻሉ፣ ሕብረቱ ኣደልዲሉ ብሓደ ህርመት ንሰላምን ፍትሕን ክቃለስ እንከሎ ጥራይ’ዩ ዝብሉ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ‘ስዉር ጥሜት ይኣክል’ ብምባል ጭሮሖኦም ኣስሚዖም።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝተፈላልያ ከተማታት ኣመሪካ፣ ወከልቲ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ናይ ገደፍ ቃል ቀሪቡ።
ኣብ ኤርትራ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ጸኒዑ ብዘሎ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝድርት ኣዋጅ፣ ንህዝቢ ኣደዳ ጥሜትን ከቢድ ማሕበራዊ ሕሰምን ኣቃሊዑዎ ኣሎ ብምባል፣ ኣብ ጀኔቫ ብዕለት 17 ሓምለ፣ ኣብ ለንደንን ከባቢኣን ከኣ ብዕለት 6 ነሓሰ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ከምዝተኻየደ ዝዝከር’ዩ።
ብሰንኪ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣጽኒዑዎ ዘሎ ውሸባ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብእኡ ንዝሰዓበ ቁጠባዊ ምምዝባል ብኸመይ ክፍታሕ’ዩ ዝገልጽ ዝኾነ ዝተሓንጸጸ መሕወዪ መደብ ብዘይምህላዉ፣ መከራ ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ካብ ዝርከቡ ዜጋታትና ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ’ሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 4 years ago

    አንታይ አዩ ሓሳቦም ናይ ግድን አስማራ covi 19 ዘይኣተዎ ድቃስ ሰኖም ሓሳዳት