“ስኽፍታና ገና ኣይተቐንጠጠን” ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ

“ስኽፍታና ገና ኣይተቐንጠጠን” ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ

mai ayniስኽፍታ ናይቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ገና ከይተቐንጠጠ፣ ኣብ ማይ ዓይኒ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮሚቴ ስደተኛታት ኣብ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ክሳተፉ ምዃኖምን ዘይምዃኖም ንምርግጋጽ ስሞምን ክታሞምን ከንብሩ ይግደዱ ምህላዎም ገሊጺም

 

ኣቐዲሙ ኣብ ዓዲ ሓሩሽ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ በቲ ኮሚቴ ዝተወደበ ሰልፊ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ኣብ ማይ ዓይኒ ድማ ተመሳሳሊ ክስተት ከየጋጥም፣ ዝሳተፉን ዘይሳተፉን ኣቐዲሞም ንምልላይ፣ ንነፍሲ ወከፍ ተቐማጢ እቲ መዓስከር ስሙን ክታሙን ኣብ ወረቐት ከስፍር ይግብሩ ምህላዎም ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም።

ብዛዕባ’ዚ ኣብ መዓስከራት ዝካየድ ዘሎ ኩነታት ንማዕከናት ዜና ክሕብር ወይ ድማ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዝተረኽበ’ውን ከቢድ መቕጻዕቲ ክጽበዮ ምዃኑ ኣባላት እታ ኮሚቲ የፈፋርሕዎም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ድሕሪ’ቲ ሓደ ኤርትራዊ ዝቐተለን ብውሕዱ ድማ ሸሞንተ ሰባት ዘቑሰለን ኣብ ማይ ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይንን ዝተኻየደ፣ ንኣሰራርሓ ምምሕዳር ስደተኛታትን ተመሰልስትን እታ ሃገር ዝቓወም ሰልፊ፣ ነቲ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ሓያሎ ወገናቶም ክሳብ እዚ እዋን እዚ ተኣሲሮም ከምዘለው ዝሓበሩ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት፣ ሕጂ’ውን እቲ ምቕሳር ከይቕጽል ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብቲ መዓስከራት ህይወት ስደተኛታት ንቡር እኳ እንተሎ፣ እቲ ብ ማእከላይ ኮሚቴ ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስን ጸቕጥን ግና ንነፍሲ ወከፍ ነባሪ እቲ መዓስከራት ስኽፍታታት ፈጢርሉ ምህላዉ ድማ ኣገንዚቦም።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ዘሎ ሓበሬታ፣ ማእከላይ ኮሚቴ ስደተኛታት በቶም ስደተኛታት ዝተመርጸ ዘይኮነ ብሕርያ ነቲ መዓስከራት ዘመሓድር ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ዝቖመ’ዩ።

===================================

 

 

 

ርእይቶ

WORDPRESS: 0