ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተቓላሲት ንፍትሒ፡ ወ/ሮ ሂወት ገብረገርግሽ ተፈጺሙ

Radio Erena: 08 October 2021

ብድንገታዊ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ተዓቑባ ብምጽናሕ ብ30 መስከረም ካብዛ ዓለም ብሞት ናይ እተፈልየት ተቓላሲት ንፍትሒ፡ ወ/ሮ ሂወት ገብረገርግሽ፣ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብ7 ጥቅምቲ 2021፣ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከተማ ጀኔቫ ተፈጺሙ።

ኣብ 1962 ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዝተወልደት ወ/ሮ ሂወት ገብረገርግሽ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ እጃማ ከተበርክት ኣብ 1978 ናብ ህዝባ ግንባር ተጸንቢራ።

ሂወት ገብረገርግሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ናይቲ ውድብ፣ ኣብ መጓዓዝያ፣ ሕርሻን ኣጋር ከቢድብረትን ተወዚዓ እናተቓለሰት፣ ኣብ 1985 ኣብ ምዝላቕ ካብ ባረንቱ ተወጊኣ ንሃገራ ደም ከፊላ።

ድሕሪ ናጽነት ኣብ መታሕት ኤርትራ ኣብ ንግዲ ተዋፊራ ሰሪሓ ክትነብርን ነብሳ ከተመሓድርን’ኳ ብምጽናሕ፣ ኣብ 2005 ናብ ሱዳን ተሰዲዳ።

ሂወት ገብረገርግሽ ስደታ ብምቕጻል ሂወታ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ምድረበዳ ሰሃራ ሓሊፋ ብሊብያ ኣቢላ ማእከላይ ባሕሪ ብጀልባ ብምስጋር ካብ 2007 ኣትሒዛ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ ክትቅመጥ ጸኒሓ::

ኣደ ክልተ ውሉዳትን ደቂ ደቃ ዝረኣየትን ወ/ሮ ሂወት ገብረገርግሽ፣ ‘ኣብ ስዊዘርላንድ ንዓይ ጥዒሙኒ እዩ እሞ በቃ’ ከይበለት፣ ክካየድ ኣብ ዝጸንሓ ቃልሲ ፍትሕንን ሓርነትን ዜጋታትን ምውሓስ ደሞክራስያዊት ኤርትራን ድምጺ ውጹዓት ብምኳን ግዜኣን ገንዘባን ከይበቐቐት፣ ክሳብ ዕለተ ዕረፍታ ተቓሊሳ።

ንመንእሰያት እትእብድን እትሕብሕብን ብምንባራ ‘ማማ ሂወት’ ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህባ፣ ወ/ሮ ሂወት ገብረገርግሽ ኣብ ኩሉ’ቲ ንስለ ፍትሒን ሓርነት ዜጋታትን ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፍታት ብኣካል ብምርካብ ድምጻ ከተስምዕ ዝጸንሓት ኤርትራዊት ሓርበኛ እያ።

ኣባላት ራድዮ ኤረና ንስድራቤትን ፈተውትን ሓርበኛ ወ/ሮ ሂወት ገብረገርግሽ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

COMMENTS

WORDPRESS: 0