ስቶኮልም፣ “ንሕና ምስ ኣቦና” ብዝብል ቴማ ንኣቡነ እንጠንዮስ ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 05 August 2019

ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ንዝርከቡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝድግፍ ሰልፊ፣ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።

እቲ “ንሕና ምስ ኣቦና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብቀዳም 3 ነሓሰ፣ ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ካህናት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ናይ ዝርከባ ሰበኻታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣቦታት ከምኡ’ውን ምእመናን ኣመንቲ ካልእ እምነታትን ተረኸቢቦም።

ኣብቲ ብመንፈሳዊ ዜማታት ዝተስነየ ሰልፊ፣ ታሪኽ ህይወት ኣቡነ እንጠንዮስ ብጋዜጠኛ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ቀሪቡ።

ካብ ወደብ’ቲ እቲ መደብ ዝኾነ ግርማይ ተስፋማርያም ብወገኑ፣ እቲ ሰልፊ ብስም ኣቦና እንጠንዮስ ደኣ ይካየድ እምበር፣ ንኹሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ብእምነቶምን ካልእን ተኣሲሮም ዘለዉ ወገናትና ዝውክል’ዩ ክብል ገሊጹ።

ካብ እምነት ምስልምና ዝኾኑ ወገናት ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ናይ ደገፍ ቃል ከምዘስምዑ፣ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣቡናት ህግደፍ፣ ብስም ሲኖዶስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ከምዝወገዙ ይዝከር።

እንተኾነ እቲ ውግዘት፣ ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎን፣ ንሕግታት ቤተ ክርስትያን ዘየኽብርን፣ ተወሳኺ ታሪኻዊ በደል ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንን ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን ምዃኑ ኣህጉራዊ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ገሊጹ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0