ስርሒት ፈንቕል ኣብ ዝጽንበለሉ ዘሎ ቅንያት፣ ኣብ ባጽዕን ከባቢኣን ጽዑቕ ግፋ ተኻይዱ

Radio Erena: 13 February 2017

Massawa

መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቕል ኣብ ዝጽንበለሉ ዘሎ ቅንያት፣ ሓይልታት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ባጽዕን ከባቢኣን ጽዑቕ ግፋ ኣካይዶም።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብዝልኣኽዎ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ክካየድ ዝቐነዩ ጽዑቕ ግፋ፣ ኣዴታትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ውን ለኪሙ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ወለዲ ናይቶም ዝተገፉ ትሕቲ ዕድሚ፣ ናይ ትምህርቲ ወረቓቕቲ ሒዞም ፈቐዶም ኣብያተ ማእሰርቲ ኮለል ክብሉ ከምዝጸንሑ ዝጠቕሱ እቶም ምንጭታት፣ ገሊኦም ድሕሪ ናይ ሳልስቲ ማእሰርቲ ክፍትሑ እንከለዉ፣ ገሊኦም ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተፈትሑን።

እቲ ዝተኻየደ ግፋ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይፈጸሙን ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግልት ሃዲሞም ናብርኦም ንዘግብሩ ዘለዉን ንምህዳን’ዩ ዝብል ምኽንያታት እኳ እንተተዋህቦ፣ ኣብ እዋን ሃገራዊ በዓላት ከምዚ ዓይነት ጽዑቕ ግፋ ምክያድ ግና ካብ ህዝቢ ብፍላይ ካብ መንእሰያት ዝኾነ ናይ ተቓውሞ መንፈስ ከይለዓዓል፣ ኣቐዲምና ንምድሃሉን ንምህዳዱን ዝግበር ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0