ስምምዕ ኮቶኖ፣ ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ቀንዲ ዛዕባኡ ክኸውን ጠለብ ቀሪቡ

ስምምዕ ኮቶኖ፣ ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ቀንዲ ዛዕባኡ ክኸውን ጠለብ ቀሪቡ

Radio Erena: 01 April 2018

cotonou logoሕብረት ኤውሮጳ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካሪብያንን ፓሲፊክን ዝኣትዎ ስምምዕ ንጉዳይ ስደተኛታት ከጠቓልል ኣለዎ ክብሉ ሰበስልጣን ኤውሮጳ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ብ’ኮቶኖ ኣግሪመንት’ ዝፍለጥ ስምምዕ ከብቅዕ ክልተ ዓመታት ተሪፉሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዳግማይ ንምሕዳሱ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ፣ ወኪል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዘቕረቦ መደረ፣ ብፍላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስግጋር ደቂ ሰብን ዋሕዚ ስደትን ሓደ ካብ ቀንዲ ዛዕባታት እቲ ስምምዕ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ከተማ ላንደን ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣፍሪቃ፣ ካሪብያንን ፓሲፊክን፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለወን ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ዋሕዚ ስደት ንምቅላል፣ ሕብረት ኤውሮጳ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዩሮ ከምዝሓገዘ፣ እንተኾነ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝውሕዙ ስደተኛታት ቁጽሪ ንምግታእ ካብተን ሃገራት ግቡእ ምትሕብባር ከምዘይተራእየ ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ይገልጹ።

ስምምዕ ኮቶኖ ኣብ 2000 ዓመተምህረት ኣብ በኒን ዝተኸተመ ኮይኑ መሰረታዊ ዕላምኡ፣ ንምዕባለ ዘተኮረ ሓገዛት ኣብ ምብርካትን ምትሕብባርን እዩ ኔሩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይ 

ስደተኛታት ከም ቀንዲ ዛዕብኡ ገይሩ ምዝታዩ ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላት ዘይዕጋበቶም ይገልጹ።

ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዋዕላ ብሰፊሑ ዝተዘተየሉ ጉዳይ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ስደት ዘለዉ ዜጋታተን ክቕበላሉ ዝኽእላ ሜላ ክፍጠር ዝብል ይርከቦ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0