ስልጣን ዝሓዘሉ መበል 20 ዓመቱ ዝጸንበለ ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ብምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ኣብ ቅድሚት ምስ ዝምደቡ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተሰሪዑ

Radio Erena: 15 May 2019

ኣብ ግንቦት 1999 ካብ ኣኩኡ ሐሰን ጉለድ ኦፕቲዶን ስልጣን ዝተረከበ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ ዝኾነሉ መበል 20 ዓመቱ ጸንቢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፣ መበል 20 ዓመት ስልጣኑ ኣብ ዘኽበረሉ፣ ምቅይያር ካቢነ ሚኒስተራት ምክያዱ’ውን ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

ወዲ 72 ዓመት ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ዘኽእሎ፣ኣብ ዝመጽእ ዓመት ምርጫ ንምክያድ ኣብ ምድላው’ዩ ዝርከብ።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ዘካየዶ ናይ ካቢነ ሚኒስየራት ምቅይያራት’ውን ነዚ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ስማዊ ምርጫ እታ ሃገር ባይታ ንምጥታሕ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሮም ተቓወምቲ የረድኡ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ፕረዚደንት ገለ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝርከቡ መራሕቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጸንቢርዎም ኣሎ።

ኣብዚ ዞባ ዝበዝሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሚሴቬኒ ኮይኑ፣ ካብ 1986 ኣትሒዙ ን33 ዓመታት ነታ ሃገር ይመርሕ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ብ28 ዓመታት ካልኣይ ይስራዕ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብህዝባዊ ናዕብንን ዕልዋታትን ክእለ’ዩ እንከለዉ፣ እዛ ኣህጉር ገና ሕጂ’ውን ካብዞም ንምስላ ደዊኖም ዝርከቡ መለኽቲ ክትገላገል ኣይከኣለትን።

ኣብዚ ቀረባ ካብ ስልጣን ዝተኣልየ፣ ናይ ነዊሕ ዓመታት መላኺ ሃገር ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0