ሱዳን ድሕሪ 23 ዓመታት፣ ኣምባሳደር ኣብ ኣመሪካ መዚዛ

Radio Erena: 20 September 2020

ሱዳን ድሕሪ 23 ዓመታት፣ ንመጀመሪያ ግዜ ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መዚዛ።
ሱዳናዊ ኣምባሳደር ኑረዲን ሳቲ፣ ብሓሙስ 17 መስከረም ናብ ፕረዚደንት ትራምፕ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ወረቐቱ ኣረኪቡ።
ኣመሪካን ሱዳንን፣ ነዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፣ ቻርጅ ደ’ኣፌር ደኣምበር፣ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝምድና ኣይጸንሐንን።
ኣምባሳደር ኑረዲን ምስ ስካይ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ድሕሪ 23 ዓመታት ንዝኽፈት ኤምባሲ ሱዳን ክመርሕ ዝተሰመዖ ሓበን ድሕሪ ምግላጽ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓድሽ ጎደና ካብ ዝሕዝ ንደሓር ጽዑቕ ዘተ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣመሪካ፣ ንሱዳን ካብ መዝገብ መወልቲ ሽበራውያን ከተውጽኣ፣ ሱዳን ከኣ ነቲ ኣብ 1998 ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ንቤተሰብ ግዳያት ካሕሳ ዝረኽብሉ መንገድታት ኣብ ምይይጥ ከምዘሎ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማይክ ፓምፐዮ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0