ሱዳን ዑቕባ ንምሕታት ዝተረፉ ኢትዮጵውያን ወትሃደራት ዓቐበቲ ሰላም፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ተላኢኾም

Radio Erena: 13 May 2021

ኣብ ሱዳን ዑቕባ ንምሕታት ዝተረፉ 10ታት ኢትዮጵውያን ወትሃደራት ዓቐበቲ ሰላም፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝተላእኩ ሰበ ስልጣን ሱዳን ኣረጋጊጾም።

14 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 120 ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት፣ ብምሉኦም ተወላዶ ትግራይ ኮይኖም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፍጸም ዘሎ ዓመጻት ብምስጋእ’ዮም ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ሱዳን ተሪፎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ብኽድዓት ዝወቕሶም ዘሎ፣ ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ኣብ ሱዳን ተዋፊሮም ዝጸንሑ ወትሃደራት ክርከቦም ክሓትት ከምዝጸንሐ ይጥቐስ።

እንተኾነ፣ እቶም ወትሃደራት ከም ዝኾኑ ካልእ ሰብ፣ ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰል ከምዘለዎምን ጉዳዮም ድማ ክርአ ምዃኑን ብወገን ሱዳንን ሕቡራት ሃገራትን ተመልኪቱ።

ኣስታት 30 ካብዞም ኣብ ዳርፉር ዝተረፉ ኢትዮጵውያን ወትሃደራት፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ናብ ዝርከብ መዓስከራ ስደተኛታት ኤል ፋሽር ከምዝተላእኩ ወኪል ላዕለለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ዞባ፣ ኣል ፋትሕ ኢብራሂም መሓመድ ኣረጋጊጹ።

ካልኦት 10ታት’ውን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክስዕብዎም ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ፣ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ 10ታት ኢትዮጵያን ዓቐብቲ ሰላም’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፉ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝተሓቖፈ ኣስታት 4 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣዋፊራ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0