ሱዳን ኣብ ክሊ ማያታ ዘሎ ቀይሕ ባሕሪ ሰራዊታ ከተዋፍረሉ ምዃና ኣፍሊጣ

ሱዳን ኣብ ክሊ ማያታ ዘሎ ቀይሕ ባሕሪ ሰራዊታ ከተዋፍረሉ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 15 October 2017

 sudanese chief of staffሱዳን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከተዛዪዶ ምዃና ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ኢማድ ኣል-ዲን ዓዳዊ ብረቡዕ 11 ጥቅምቲ ኣብ መመረቕታ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሱዳን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ማያዊ ዶባታ ንምሕላው ሓድሽ ኣሃዱ ንምቛም ብዝወጠነቶ መሰረት ኣብ ስሩዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ዝዋፈር ሰራዊት ከምእተቕውም ኣፍሊጡ።

እቲ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ንጽባሒቱ ሓሙስ’ውን ንኮሚሽነራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣኪቡ ኣገዳስነት’ዚ ምቛም ሓድሽ ኣሃዱ መብርሂ ሂቡ።

ሱዳንን ግብጽን ንዋንነት ስሉሳዊ ክሊ ማያት ሓላይብ፣ ሻላቲንን ኣቡ ራማድን ብዝምልከት ንሓያሎ ዓመታት ክሰሓሓባ ጸኒሐን’የን። እዚ ሓድሽ ዝቐውም ወተሃደራዊ ሰራዊት ሱዳን ክቆጻጸሮ ዝበሃል ዘሎ ከባቢታት፣ ካብ መፋርቕ 1990 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ብግብጺ’ዩ ጸኒሑ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ኢማድ ኣል-ዲን ዓዳዊ ኣብ መግለጺኡ፣ እዚ ምስ ግብጺ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ዝጸንሐ ክሊ ማያት ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ክኣትወሉ ዝድለ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፣ በቲ ዞባ ንዝመሓላለፍ ዘይሕጋዊ መሸጣ ኣጽዋር ንምቁጽጻር ምዃኑ ሓቢሩ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ዘይሕጋዊን ዘይተመዝገበን ኣጽዋር ንምእካብ ካብ ዕለት 15 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዘመተ ከካይድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ከፍልጥ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0