ሱዳን ንሓይልታት ትግራይ ደገፍ ትገብር ኣላ ክትብል ኢትዮጵያ ንዘቕረበቶ ክሲ፣ መንግስቲ ሱዳን ነጺጉዎ

Radio Erena: 05 September 2021

ሱዳን ንሓይልታት ትግራይ ናይ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ደገፍ ትገብር ኣላ ክትብል ኢትዮጵያ ንዘቕረበቶ ክሲ፣ መንግስቲ ሱዳን ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብቀዳም 4 መስከረም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሱዳን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጎረቤት ሃገር ኢድ ከምዘይተእቱ ኣቐዲማ ብዘፍለጠቶ መሰረት፣ ሕጂ’ውን መርገጺኣ ኣይቀየረትን ክብል ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጸገማት ኣብ ዘዘጋጠሞ እዋን፣ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ክብል ንሱዳን ምጥቃን ደው ከብል ኣለዎ ኢሉ።
ወሃብ ቃል ሰራዊት ሱዳን ኣል-ጣህር ኣቡ ሓጃ ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣትዩዎ ዘሎ ቅልውላው፣ ዝተኸተሎ ዘይስልጡን ምሕደራ ዘርእይ እዩ ክብል ነቒፉ።
ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሱዳን ሶሊኾም ክኣትዉ ፈቲኖም ዝበሎም ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ 50 ሰባት ኣብ ዶብ ከምዝቐተለ ገሊጹ’ዩ። ኣብቲ እዋን እቶም ኣባላት ህወሓት ዝበሎም ሰባት ነተጉቲን ሬድዮ ርክባትን ዘጠቓለለ ሓያሎ ወተሃደራዊ ንብረት ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሓጽቢ ህዳሴ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ መደብ ኔሩዎም ክብል እዩ ከሲሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ዘይብሉ ጠቐነ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ምድርባይ ገዲፉ፣ ተፈጢሩ ንዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ሰላማዊ መዕረፊ ዝርከበሉ መንገድታት ከናድይ ኣለዎ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ይጽውዕ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0