ሱዳን ብቕትለት 15 ዜጋታታ ምስ ግብጺ ትሰሓሓብ

ሱዳን ብቕትለት 15 ዜጋታታ ምስ ግብጺ ትሰሓሓብ

Radio Erena: 19 November 2015

sud Egy

ግብጺ ናብ እስራኤል ንምስጋር ዝፈተኑ 15 ሱዳናውያን ምቕታላ፣ መንግስቲ ሱዳን ኮኒኑ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ቅትለት ዜጋታት ሃገሩ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ግብጺ መብርሂ ሓቲቱ ከምዘሎ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኣል ሰዲግ ኣረጋጊጹ።

“ሱዳን፣ ክብሪ ዘጋታታ ዘዋርድ ፍጻሜ ኣይትቕበሎን’ያ።” ዝበለ እቲ ኣፈኛ፣ ብዛዕባ’ቶም ዝሓለፈ ሰሙን ዝተቐትሉ 15 ዜጋታት ሱዳን ብዝምልከት ብመንገዲ’ቲ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ፣ ምጽራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

 

ፓርላማ ሱዳንን ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳንን ናብ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዝልኣኽዎ ወግዓዊ ጥርዓን ከኣ፣ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን እትኽተሎ ዘላ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ደው ከተብል ጸዊዖም።

ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝፈተኑ ሱዳናውያን፣ ካብ ሓለዋ ዶብ ግብጺ ብዝተተኮሰሎም ጠያይት ከምዝተቐትሉ፣ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ምጥቃሰን ይዝከር።

ካብ’ቶም ብበረኻታት ሲናይ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ክኣትዉ ዝፈተኑ ሱዳናውያን 15 ብኡ ንብኡ ክሞቱ እንከለዉ፣ ሸሞንተ ከኣ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ኢልዓሪሽ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ይርከቡ።

መንግስቲ ግብጺ ብዛዕባ ቅትለት እቶም ሱዳናውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ሱዳንን ግብጽን ብሰንኪ ጉዳይ ስደተኛታት ብቀጻሊ ከምዝሰሓሓባ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዓሳ ክገፉ ዝጸንሑ 13 ግብጻውያን ድሕሪ ምሓዙ፣ ብመንግስቲ ግብጺ ተታሒዞም ምስ ዝጸንሑ 44 ሱዳናውያን ስደተኛታት ከምዝተቐያየሮም ኣይርሳዕን።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0