ሱዳን ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ብምውዳቓ 16 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 06 January 2020

ኣብ ሱዳን፣ ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ብምውዳቓ ኣብኣ ዝነበሩ 16 ሰባት ከምዝሞቱ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

በቲ ብ2 ጥሪ ዘጋጠመ ሓደ ወትሃሃደራዊት ነፋሪት ካብ ዝሞቱ፣ 2 ቆልዑ ክኾኑ እንከለዉ፣ 3 ደያኑ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ድማ በርጌስ’ዮም።

እቶም ዝተረፉ ግዳያት፣ ወትሃደራት ክኾኑ እንከለዉ፣ ወትሃደራውያን መኮንናት ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ።

እታ ስርሓት ሩስያ ዝኾነት፣ ኣንቶኖቭ 12 ዝዓይነታ ነፋሪት፣ ኣብ ዞባ ዳርፍር ካብ እትርከብ ከተማ ጀነንያ ተበጊሳ 5 ደቓይቅ ድሕሪ ምብራራ’ያ ወዲቓ።

ጠንቂ ምውዳቓ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይተዋህበሉ፣ ቴክኒካዊ ጸገም ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ሱዳን፣ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ሓደጋ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ዘጋጥማ ሃገራት ዓለምና’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሓደጋታት ወትሃደራውያን ነፋሪት ከምዘጋጠመ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0