ሱዳን፣ 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ተኣኪቡ

Radio Erena: 25 May 2020

ሱዳን፣ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ከምዝበተኣከበ ኮሚሽን ምጽራይ ብልሽውና እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን፣ መጀመርያ ዝኣከቦ ብዝሒ ንብረት 3.5 ቢልዮን ዶላር ምዃኑ እኳ እንተጠቐሰ፣ ድሕሪ ተወሳኺ ንብረት ብምርካብ ናብ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓረገ ኣፈኛ ናይቲ ኮሚሽን ሳልሓ ማና ገሊጹ።

መብዛሕቱ እቲ ተኣኪቡ ዘሎ ንብረት፣ ህንጻታትን ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ኩባንያታት ዝጸንሖ ብርኪን ካልእን ካፒታልን የጠቓልል።

ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ ዑመር ሓሰን ኣልበሺር፣ ብዘይካ’ቲ ካብ ስዑዲን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝወሃቦ ዝነበረ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት፣ ካብ ካዝና መንግስቲ’ውን ምጥፍፋእ ይፍጽም ምንባሩ’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ዳርፉር፣ ብናይ ኵናት ገበንን ገነን ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከሲ ተመስሪትሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0