ሱዳን፣ 241 ኪሎ ወርቂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክወጽእ ተታሒዙ

Radio Erena: 12 May 2019

ካብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክወጽእ ተታሑዙ ዝተባህለ 241 ኪሎ ዝምዘን ወርቂ፣ ኣካያዲ ስራሕ ንግዳዊ ባንክ ሱዳን ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።
ዶባትን ኣገደስቲ ቦታታት መንግስትን ክሕሉ ስልጣን ዝተዋህቦ ምልሻ ጃንጃዊድ ኣብ ሓንቲ ናይ ሞሮኮ ነፋሪት ተጻዒኑ ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ካብ ሱዳን ክወጽእ ተፈቲኑ ንዝበሎ እዚ ብኩንታላት ዝምዘን ምህርቲ ወርቂ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ’ዩ ብማዕከናት ዜና ክቃላሕ ቀንዩ።
ካብቲ 241 ኪሎ 93 ጥራይ ንሰደድ ሕጋዊ ፍቓድ ከምዝተዋህቦ ዝገለጻ ማዕከናት ዜና ሱዳን፣ ሞሮካዊ ትካል ዕደና ናይቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሓላፍነት ከምዝወስድ’የን ዝገልጻ።
ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ሱዳን ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ግጉይ ሙዃኑን፣ እቲ ትካል ዕደና ምህርቲ ወርቂ ከውጽእ ሕጋዊ ፍቓድ ከምዘለዎን ሓቢሩ።
ብምህርቲ ወርቂ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት እስራዕ ሱዳን፣ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ካብ ምህርታ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሃገራት ወሽመጥ ኣቢሉ ኣብ ዕዳጋታት ወርቂ ኤውሮጳ ከምዝዝርጋሕ ጸብጻባት የመልክቱ።
ዓመታዊ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ንምህርቲ ወርቂ እትስልዕ ሱዳን፣ ብቁጠባዊ ቅልውላው ተሓሚሳ ህዝባ ንዓመታት ብድኽነት ክነብር ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብኻልእ ወገን፣ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን እዋናዊ መፍትሒ ንኽረክብ፣ ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳንን ተቓወምቲ ውድባትን ብሓባር ሲቪላዊ መንግስቲ ንኽትከል ህጹጽ ዋዕላ ከካዪዱ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።
ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፣ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ካልኦት ግዱሳት ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት፣ ነቲ ንኣዋርሕ ብዘይምቁራጽ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪድ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን ዕግበት ዝህብ ምላሽ ንምርካብ ሙዃኑ ብምዝኽኻር፣ ወተሃደራዊ ቆንስልን ተቓወምቲ ውድባትን ፍልልያቶም ብዘተን ብቕጽበትን ክፈትሑ ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0