ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሺር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ናዕቢ ይቕጽል

ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሺር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ናዕቢ ይቕጽል

Radio Erena: 25 December 2018

sudan protest

ኣብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት ተበጊሱ፣ ፕረዚደንት በሺር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ናዕብታት ኣብ ሓያሎ ከተማታት እታ ሃገር ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ከተማ ካርቱም፣ ኣብ መንጎ ጋንታታት ሱዳንን ቱኒዝያን ኣብ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ዋንጫ ኣፍሪቃ መጻረዪ ግጥም፣ ጸወታ ተዓዚቦም ካብቲ ስታድዮም ዝወጹ ዝነበሩ ኣሽሓት መንእሰያት፣ “ኣል በሺር ካብ ስልጣን ተኣለ፣” እናጨርሑ፣ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ፖሊስ ንምብታኖም ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፣ ግጭት ከምዝተጎሃሃረ ዝሓበሩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት፣ ሓያሎ ሰባት መጉዳእቲ በጺሕዎም።

ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝጀመረሉ፣ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።

እንተኾነ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ ኣብ ሰብን ንብረትን ወሪዱ ዘሎ ጉድኣት ኣይሓበረን።

ብኣንጻሩ መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ናዕቢ ኣብ ምጉህሃር ኢድ ኣለዎም ንዝበሎም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ይኣስር ኣሎ።

እዚ ኣብ ሱዳን ተበጊሱ ዘሎ ናዕቢ፣ ሓካይምን ካልኦት ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታትን እታ ሃገር ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ብምክያድ ይድግፍዎ ኣለዉ።

ኣብ 1989 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሺር፣ ኣብ ስልጣን ነዊሕ ዓመታት ካብ ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ መበል ራብዓይ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንተኸታታሊ 25 ዓመታትን ልዕሊኡን ኣብ ስልጣን ዝቕጽሉ ዘለዉ ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣-

1. ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ኑግዌማ ባሶጎ ን39 ዓመታት
2. ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ፖል ቢያ ን36 ዓመታት
3. ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ን32 ዓመታት
4. ፕረዚደንት ሱዳን፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ን29 ዓመታት
5. ፕረዚደንት ቻድ፣ ኢድሪስ ደቢ ን28 ዓመታት
6. ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን27 ዓመታት’ዮም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0