ሱዳን፣ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ንዝኸተምኦ ምምልካት ክሊ ማይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምቅዋም ናብ ሕ/ሃ ጥርዓን ኣቕሪባ

ሱዳን፣ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ንዝኸተምኦ ምምልካት ክሊ ማይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምቅዋም ናብ ሕ/ሃ ጥርዓን ኣቕሪባ

Radio Erena: 01 January 2018

Sudan Egypt border

መንግስቲ ሱዳን፣ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ዝኸተምኦ ምምልካት ክሊ ማይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምቅዋም ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ንክሊ ማያት ሱዳን ዝጥሕስ ብምዃኑ’ያ ሱዳን ነቲ ጥርዓን ኣቕሪባ ዘላ።

ግብጺ ኣቐዲማ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ዝጸንሓ ክልተ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ንስዑዲ ዓረብ ከተረክባ ከምዝወሰነት ኣይርሳዕን።

ሱዳን ብጉዳይ ዞባ ሓላይብ ምስ ግብጺ ብዶብን ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪን ትሰሓሓብ ከምዘላ ይፍለጥ።

 ======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0