ሱዳን፣ ዞባ ኣልፋሺጋ፣ ዘየከራኽር ሉኣላዊ መሬታ ምዃኑ ገሊጻ

Radio Erena: 19 April 2022

ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዘዋስን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ዞባ ኣልፋሺጋ፣ ዘየከራኽር ሉኣላዊ ኣካል ሱዳን ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ዓሊ ኣል ሳድቕ ገሊጹ።

ሚኒስተር ኣል ሳድቅ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ እተካይድ ምስ ዘላ ፍልይቲ ልእኽቲ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሃና ተተ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ምዃኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዘሎ ምስሕሓብ መፍትሒኡ ዘተን ዝርርብን ጥራይ ምዃኑ’ውን እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንምዝርራበን ኤርትራ ብእትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣይተዓወትን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ዘተ ክቐርብ እንተኮይኑ፣ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ 6 ሕዳር 2020 ዝነበረ ከባቢታት ክስሕብ’ዩ ዝጠልብ።

መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ፣ ካብ 6 ሕዳር ኣትሒዙ ዝተቖጻጸሮ ከባቢታት፣ ቅድሚ 26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ዝነበረ መሬት ሱዳን ምኻኑ ብምምልካት፣ ከም ዘይስሕብ ኣነጺሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ምስ ተጸምደ፣ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ፣ ሰራዊት ሱዳን ንዝበዝሐ ክፋል እቲ ንነዊሕ እዋን ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ዞባ ኣልፋሺጋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዎ ክኢሉ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0