ሱዳን፣ ዞባ ብሉ ናይል ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት 79 በጺሑ

Radio Erena: 20 July 2022

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ብሉ ናይል፣ ከተማ ደማዚንን ከባቢኣን ኣብ ዝተወልዐ ቀቢላዊ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት 79 ከምዝበጽሐ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ብከቢድን ፎኪስን ናይ ዝቖሰሉ ብዝሒ ሰባት ‘ውን ናብ ኣስታት 200 ዓሪጉ።

እቲ፣ ካብ ቀቢላ ቤርታ ወይ ፉንጅ ዝኾኑ ተወላዶ እቲ ዞባን ካብ ናይጀርያ ፈሊሶም ዝብሃሉ ሃውሳን፣ካብ 14 ክሳብ 16 ሓምለ ዝጀመረ ግጭት፣ ብዝበኣሰ ከይዓርግን ናብ ካልእ ከባቢታት ከይልሕምን መንግስቲ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ ኣሎ።

ዋንነት መሬትን ካልእን ናይ ደቀባት መሰላትን ከምዘይብሎም ዝግለጹ ቀቢላ ሃውሳ፣ ነዚ ሕቶታት እዚ ድሕሪ ምልዓሎም እቲ ግጭት ከምዝተጎሃሃረ ጸብጻባት የመልክቱ።

ዞባ ብሉ ናይል፣ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ ኮይኑ ምስ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘዋስን ክፋል ሱዳን’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ተወላዶ ቀቢላ ሃውሳ፣ ኣብ ብሉ ናይል ንዝተኻየደ ግጭትን መንግስቲ ንዝተኸተሎ ኣተሓሕዛን ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ፣ ኣብ ከተማ ከሰላ ንዝርከብ ሓያሎ ትካላት መንግስቲ ኣቓጺሎም።

ኣብቲ ብ19 ሓምለ ዝተኻየደ ተቓውሞን ናዕብን ብውሕዱ ክልተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ኣስታት 10 ድማ ቆሲሎም።

ኣብ ዞባ ብሉ ናይልን ምስቲ ዞባ ዝዋሰን ምብራቕ ሱዳንን ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ዝገልጻ መርበባት ዜና ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብብሕዚ ይዋፈሩ ምህላዎም ሓቢረን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0