ሱዳን፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ

Radio Erena: 25 May 2021

ኣብ ሱዳን፣ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን፣ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ።

እቲ ካብ ሰኑይ፣ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ግብሪ ዝወዐለ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብታ ከተማ ዝተጎሃሃረ ናይ ቀቢላ ግጭታት ተመሓላሊፉ።

ነቲ ኣዋጅ ዘሕለፈ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቀቢላ ግጭት ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም ክብል ገሊጹ።

ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ናይቲ ዞባ ድማ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።

ምምሕዳር ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ናይ ቀቢላ ግጭት ይኹን ወሪዱ ዘሎ ጉድኣት ዝርዝራዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ፖር ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ቅቢላታት ቤን ዓሚር፣ ሃደንደዋን ኑባን ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ክውላዕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ነቲ ወደብ ካብ ንጥፈታቱ ዘሰናኸለ ቀቢላዊ ግጭታትን ህዝባዊ ናዕብን ተጎሃሂሩ ምንባሩ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0