ሱዳን፣ ዝቕባበ ንምፍዋስ፣ ሓድሽ ናይ 100 ፓውንድ ባጤራ ክትዝርግሕ’ያ

ሱዳን፣ ዝቕባበ ንምፍዋስ፣ ሓድሽ ናይ 100 ፓውንድ ባጤራ ክትዝርግሕ’ያ

Radio Erena: 01 October 2018

Sudan Pound

ብቁጠባዊ ቅልውላውን ዝቕባበ ባጤራን ኣብ ሻቕሎት እትርከብ ሱዳን፣ ሓድሽ ናይ 100 ፓውን ናይ ወረቐት ገንዘብ ክትዝርግሕ ምዃና ማእከላይ ባንክ እታ ሃገር ትማሊ 30 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ ዝዓበየ ናይ ወረቐት ባጤራ 50 ፓውንድ’ዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ብሰንኪ ዝቕባበ፣ እቲ ገንዘብ ናይ ምዕዳግ ሓይሉ ስለዝተዳኸመ፣ ህዝቢ እኹል ገንዘብ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ መዓልታዊ ገንዘብ ንምውጻእ ኣብ ባንክታት ክጸቓቐጥ ይረአ ኣሎ።

ማእከላይ ባንክ ሱዳን፣ ምሕታም ሓድሽ ናይ 100 ፓውንድ ናይ ወረቐት ባጤራ ነዚ ጸገም እዚ ክፈትሕ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ እኳ እንተሎ፣ ቁጠባዊ ሱዳን ከይተረጋገአ፣ ባጤራኣ ካብ ዝቕባበ ክድሕን ናይ ምዕዳግ ሓይሉ ክዓብን ከምዘይክእል ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ዞባታት እትውነን ደቡብ ሱዳን ካብ 2011 ንደሓር ናጽነታ ካብ እትእውጅ ንደሓር፣ ሱዳን ካብ ነዳዲ እትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊታት ስለዝጎደለ ኣብ ቁጠባኣ ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ 100 ዶላር ኣመሪካ፣ ኣብ ባንክ ብሕጋዊ መንገዲ ኣስታት 1800 ፓውንድ ክሽረፍ እንከሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋታት ሱዳን ግና ልዕሊ 2900 በጺሑ ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0