ሱዳን፣ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ክስጎግ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 03 June 2022

ኣብ ሱዳን፣ ኣማኢት ነበርቲ ካርቱም ዝተሳተፍዎ፣ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክስጎግ ዝጸውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ መርበባት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ደገፍቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ምዃኖም ዝተሓበሩ ሰልፈኛታት፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዘስምዕዎ ተቓውሞ፣ ፍሉይ ልኡኽ ቮልከር ፐርትስ ኣብ ዝሓጸረ ክስጎግ ጸዊዖም።

እቶም ሰልፈኛታት፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ቮልከር ፐርትስ፣ ካብ ሎሚ ዓርቢ 03 ሰነ ኣትሒዙ፣ ዕድመ ስልጣኑ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክዋናሕ ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ንሱ ምስ ኢጋድን ካልኦት መሻርኽቲን ብምዃን፣ ኣብ ሱዳን ንዘሎ ተዋሃሲ ኩነታት ብፖለትካዊ ዘተ ንምፍታሕ ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎ ኣብ መግለጺታቱ ይጠቕስ።

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ካብ ሱዳን ክሰጎ ምዃኑ ከጠንቕቕ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ፍሉይ ልእኹ፣ ደረት ስልጣኑ ይሓልፍ ከምዘሎ ዝወቐሶ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ኣብ ጸብጻቡ ክሕሱ ኢና ሰሚናዕዮ። ክብል ወቒስዎ።

ቮልከር ፐርትስ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሱዳን ኣመልኪቱ፣ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እታ ሃገር ብቁጠባ ትሕመስ ከምዘላ ብምዝክኻር፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣንጻር ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ሱዳናውያን ጎነጽ ይጥቀሙ ምህላዎም ነቒፉ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0