ሱዳን፣ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ዘጎሃሃሮ ተቓውሞ ሓደ ተማሃራይ ተቀቲሉ

ሱዳን፣ ወሰኽ ዋጋ ባኒ ዘጎሃሃሮ ተቓውሞ ሓደ ተማሃራይ ተቀቲሉ

Radio Erena: 09 Januray 2018

Sudan bread protest

ኣብ ሱዳን፣ ዞባታት ዳርፉርን ብሉ ናይልን፣ ንወሰኽ ዋጋ ባኒ ብምቅዋም ብሰንበት 7 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ሓደ ተማሃራይ ክቕተል እንከሎ ሓያሎ ከኣ ቆሲሎም።

ፖሊስ ሱዳን ነቲ፣ መብዛሕቶም ተማህሮ ዝኾኑ ኣማኢት መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ ንምብታን ጎንጽ ብምጥቃሙ እቲ ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ ከምዘጋጠመ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ቅልውላው ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ነዳዲ፣ ፊኖን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምእላዩ’ዩ ዋጋ ባኒ ካብ ዝነበሮ ብዕጽፊ ዛይዱ ዘሎ።

ንፍርቂ ኩንታል ፊኖ፣ 167 ፓውንድ ሱዳን ዝነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰለስተ ዕጽፊ ዛይዱ 450 ፓውንድ ወይ 25 ዶላር በጺሑ ኣሎ።

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ክስተት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣደም ጃማ ኣደም፣ ምስ ነበርቲ እቲ ዞባ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ሓደ ካብ ጠንቕታት ናህሪ ዋጋ ባኒ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ፣ ብኮንትሮባንዳ ናብ ኤርትራ ዝሰግር ዘሎ ከም ፊኖን ዘይትን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት ምዃኑ ምጥቃሱ ኣይርሳዕን።

ሱዳን፣ ነዚ ናብ ኤርትራ ዝውሕዝ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ- ኮንትሮባንዳ ሃለኽቲ ነገራትን ምስግጋር ባጤራን ንምቁጽጻር ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ንኣስታት ሓደ ወርሒ ከተጠንቕቕ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 5 ጥሪ 2018 ኣትሒዛ ነቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ከምዝዓጸወቶ ብወግዒ ኣፍሊጣ ኣላ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲን ምስግጋር ደቂ ሰብን ንዝተዋፈሩ ውልቀሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ንምህዳን ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ፍሉይ ሓይሊ ሚሊሻ ከምዘዋፈረት ይንገር።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0