ሱዳን፣ ኩሎም ወገናት ዝሳተፍዎ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 11 January 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ስልጣኑ ድሕሪ ምሕዳጉ ብኢሱ ንዘሎ ቅልውላው ሱዳን መፍትሒ ንምንዳይ፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወደብን ኩሎም ወገናት እታ ሃገር ዝሳተፍዎን ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድ’ዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፣ ቮልከር ፐርተስ ኣብ ብ8 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ‘ዘተኣማምን መንገዲ ንደሞክራስን ሰላምን’ ዝተሰምየ ፖለቲካዊ ዘተ ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ፖለቲካውን ውድባት፣ ተቓወምቲ ሓይልታትን ሰለማዊ ሰልፍታት ዝውድቡ ዘለዉ በርጌሳውያን ማሕበራትን ክሳተፉ ምዃኖን ኣረጋጊጹ።

እቲ ዘተ ዝካየደሉ ዕለት ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ዓረብን ደገፈን ሂበናሉ ኣለዋ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ብወትሃደራዊ ጉጅለን ሲቪላዊ ወገንንን ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ በቲ ወትሃደራዊ ወገን ተዓብሊሉ ስለዝርከብ፣ ደሞክራሲ ከውሕስ ኣይክእልን’ዩ ተባሂሉ ይእምነሉ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝተኻየደ ዕልዋን፣ ድሕሩ’ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብስምምዕ ተመሊሱ ከብቅዕ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ምውሳኑን፣ ንሱዳን ናብ ሓደገኛ ናይ ውድቀት ጎደና መሪሑዋ ይርከብ።

ህዝቢ ሱዳን፣ ኣንጻር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዘካይዶ ዘሎ ኣድማን ናዕብን ብዝልዓለ ይቕጽል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይልታት ጸጥታ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ናይ ዝተቐትሉ ሰለፈኛታት ብዝሒ ልዕሊ 60 በጺሑ ኣሎ።

ሱዳን፣ ኣብ ሓምለ 2023 ደሞክራስያዊ ምርጫ ከተካይድ ምዃና ተሓቢሩ እኳ እንተሎ፣ ህዝቢ ሱዳን ግና ኣብ ወትሃደራዊ ጉጅለ እምነት ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0