ሱዳን፣ ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ብወግዒ ተሰሪዛ

Radio Erena: 16 December 2020

ሱዳን፣ ሽበራ ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ብወግዒ ከምዝተሰረዘት ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ካርቱም ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ንሱዳን ካብቲ መዝገብ ንምስራዛ፣ ንምጽዳቑ 45 መዓልታት ዝወሰደ መስርሕ፣ ኣብ መወዳእታ ብ14 ታሕሳስ፣ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተኸቲሙ፣ ኣብ መዝገብር ፈደራል ከምዝኣተወ ኣረጋጊጹ።

ሱዳን፣ ኣብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ድሕሪ ምስፋራ፣ ንኣስታት 20 ዓመታት፣ ዝተፍላለየ እገዳታት’ዩ ተነቢሩላ ጸኒሑ።

ኣመሪካ፣ ንሱዳን ካብቲ መዝገብ ንኽትስርዛ፣ ንግዳያት ናይቲ 1998 ኣብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ንዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክትከፍልን ምስ እስራኤል ድማ ዝምድና ክትምስርትን ከም ቅድመት ኩነት’ያ ኣቐሚጣቶ።

ሱዳን ብወገን ነዚ ክልቲኡ ድሕሪ ምትግባራ፣ መስርሕ ምስራዝ ካብ መዝገብር ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ምድንጓዩ ኣሻቒሉዋ’ዩ ጸኒሑ።

ምስራዝ ካብቲ መዝገብን ምልዓል እገዳታትን፣ ኣብ መስርሕ ለውጢ ንእትርከብ ሱዳን፣ ሓድሽ ናይ ወፍሪ፣ ንግዲ፣ ቁጠባን ምዕባለን ዕድላት ክፈጥረላ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0