ሱዳን፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ፣ መራኽብ ኵናት ሩስያን ኣመሪካን ኣአንጊዳ

Radio Erena: 01 March 2021

ሱዳን፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ፣ መራኽብ ኵናት ሩስያን ኣመሪካን ኣአንጊዳ።

ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ልምምድ ዝቐነየት፣ ኣድሚራል ግሪጎሮቪች ዝተሰምየት ናይ ሩስያ ናይ ኵናት መርከብ፣ ነዳዲ ንምምላእን ኣባላት ድማ ዕረፍቲ ንምክያድን፣ መልህቓ፣ ብሰኑይ 1 መጋቢት ኣብ ፖርት ሱዳን ኣውሪዳ።

እታ መርከብ፣ ናብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን ክትዓርፍ ዝወሰነትሉ ምኽንያት፣ ኣካል ናይቲ ሩስያ ኣብ ፖርት ሱዳን ክትሃንጾ ዝተሰማመዐት ወትሃደራዊ መዓስከር ምዃኑ፣ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ጠቒሱ።

ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ፣ እታ መርከብ ናብ ሱዳን ምምጽኣ፣ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ሩስያን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሩስያ፣ ኣብ ሱዳን እትሃንጾ ዘላ መደበር ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ክኸውን’ዩ። ብደረጃ ዓለም ድማ ምስቲ ኣብ ሶርያ ዘለዋ መዓስከር ካልኣይ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ USS Winston S. Churchill ዝተሰምየት ሚሳይላት ዝዓጠቐት ናይ ኵናት መርከብ’ውን ኣብ ሱዳን ኣዕሪፋ’ያ።

ኣመሪካ፣ ንሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ዝመውላ ሃገራት ድሕሪ ምስራዛ፣ ናብታ ሃገር ወትሃደራዊ ልኡኻት ክትሰድድ እኳ እንተጸንሐት፣ ናይ ኵናት መርከባ ኣብ ገማግም ሱዳን መልህቓ ከተውርድ ግና ንመጀመርያ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ጉዕዞን ዳህሳስን እትነጥፍ መርከብ ኣመሪካ፣ ኣብ 24 ለካቲት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን ተጸጊዓ’ያ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0