ሱዳን፣ ኣንጻር ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ብሰኑይ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 18 January 2022

ኣብ ሱዳን፣ ኣንጻር ‘ቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ብሰኑይ 17 ጥሪ፣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዳቪድ ሳተርፊል ቦኽሪ ዑደኡ ናብ ካርቱም ከካይድ ምዃኑ ኣብ ዝተነግረሉ፣ ኣሽሓት ዜጋታት ሱዳን፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘካይድዎ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ናብ ከተማ ካርቱም ብምሓዝ፣ መስርሕ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክበራበር ጠሊቦም።

እቶም ኣስታት 2 ኪሎሜተር ዝንውሑ ጽዑቕ ሰልፊ ዘካየዱ ሱዳናውያን፣ ኣብ ኣልድዮም ንዝርከብ፣ ኣውራ ጎደናታት ‘ዮም ዓጽዮም ውዒሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ 2 ጥሪ ስልጣኑ ካብ ዝሓድግ፣ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ዛጊት መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ካልእ ኣማራጺ ኣየቕረበን።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ኣብ 2023፣ ደሞክራሲያዊ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ ይገልጽ’ዩ።

እንተኾነ፣ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጉጅለ እምነት ከምዘይብሉ ብምርግጋጽ፣ ሲቪላዊ መሰጋግውሪ መንግስቲ ብዝቐልጠፈ ክቐውም ይጠልብ ኣሎ።

ክልተ ወርሑ ኣቑጺሩ ኣብ ዘሎ፣ ዳግም ኣብ ዝተባርዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን፣ ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናይ ዝተቐትሉ ሰልፈኛታት ብዝሒ ኣስታት 70 በጺሑ።

ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ንምብታን ካብ ዝወፈሩ ላዕለዎት ወትሃደራውያን መራሕቲ ዝኾነ፣ ብርጋዴር ጀነራል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተቐትለ’ውን ተቓሊሑ’ዩ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0