ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን፣ ካልእ ኣማራጺ ክትጥቀም ከምእትኽእል ኣፍሊጣ

Radio Erena: 20 January 2021

ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ግብጺን ኢትዮጵያን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ተሃድሶን፣ ካልእ ኣማራጺ ክትጥቀም ከምእትኽእል ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ብ18 ጥሪ ነዚ ዘፍለጠት፣ ድሕሪ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ምስ ላዕለዋይ ኮሚተ ናይቲ ዘተ ዘካየዶ ምይይጥ’ዩ።

ኣብቲ ምይይጥ፣ ላዕለዎት ሓለፈቲ ወትሃደራዊ ስለያ፣ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ከምኡ ድማ ሚኒስተራን ተረኺቦም።

ሱዳን፣ ካልእ ኣማራጺ ከተናዲ ከምእትኽእል ትገልጽ ዘላ፣ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ዘተ ብዘይ ፍረ ስለዝተበተነ ምዃኑ’ያ ኣመልኪታ።

ይኹን’ምበር እታ ሃገር፣ ነዚ ናይ ናይል ጉዳይ፣ ነቲ ምስ ጎረቤታ ኢትዮጵያ ብዶብ ተሳቢቡ ተጎሃሂሩ ዘሎ ግጭት፣ ከም ወትሃደራዊ መናውራን ጸቕጥን ትጥቀመሉ ከምዘላ ዝተፈላልዩ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

እዚ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት፣ ነታ ዲጋ ተሃድሶ ናይ ኢትዮጵያ ክሰናኸል እትብህግ ግብጺ፣ ተወሳኺ ዓወት ምዃኖም’ዮም እቶም ተንተንቲ ዘረድኡ።

ልኡኽ ፕረዚደንት ግብጺ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ብዛዕባ ህሉው ጸጥታ ኩነታት ዶባ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምዝገምገሙ መርበባት ዜና ሱዳን ኣቃሊሐን’የን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0