ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ብኢትዮጵያ ንዝቐረበ እማመ ነጺጋ

Radio Erena: 14 May 2020

ኢትዮጵያ፣ እትሃንጸ ንዘላ ዲጋ ተሃድሶ፣ ካብ ናይል ማይ ክመልእ ዝጅምረሉ እዋንን ኣገባባትን ብዝምልከት ዘቕረበቶ እማመ መንግስቲ ሱዳን ነጺግዎ።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ማይን ሕርሻን ሱዳን፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ካብ ወሓዚ ናይል ማይ ክትመልኦ ቅድሚ ምጅማራ፣ ነቲ ጉዳይ ብቀጥታ ምስ ዝምልከተን ሱዳንን ግብጽን ኣብ ምርድዳእ ክትበጽሕ ከምዘለዋ’ዩ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ወጻኢ ግና ኢትዮጵያ ብዘይኣፍልጦን ምርድዳእን ሰለስቲኤን ሃገራት ማይ ምምላእ ክትጅምር ንዘቕረበቶ እማመ ከምዘይቅበሉ ኣነጺሩ።

ኣብ ግዜ ስርዓት በሺር መርገጺ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል እትድግፍ ዝነበረት ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ግብጺ ዛዝያ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ሱዳን፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ንመርገጺ ግብጺ ብምድጋፍ ንዘሕለፎ ውሳኔ’ውን ብምቅዋም፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ሰለስቲኤን ዝምልከተን ሃገራት ኣብ ምርድዳእን ናይ መወዳእታ ስምምዕን ክበጽሓ ከምዘለወን’ያ ኣነጺራ።

ብድፊኢት ኣመሪካን ባንክ ዓለምን፣ ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዘተ ተጸሚዳ ዝነበረት ኢትዮጵያ፣ እኹል ምድላው ኣይገበርኩን ብምባል ብሃንደበት ድሕሪ ድሕሪ ምስሓባ፣ ግብጺ እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከተሰጋግሮ’ያ ክትሰርሕ ጸኒሓ።

ኢትዮጵያ፣ ካብ 2011 ኣትሒዛ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ፣ ልዕሊ 75% ክፋሉ ከምእተዛዘመን፣ ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ ድማ ማይ ከተዕቁረሉ ክመእትጅምርን’ያ ኣፍሊጣ።

ግብጺ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ውሳኔ ብምውቃም፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ግብረ መልሲ ተሐይል ከምዘላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር የመልክታ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0