ሱዳን፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ምሉእ ብምሉእ ንመርገጺ ግብጺ ከምእትድግፍ ኣነጺራ

Radio Erena: 06 January 2020

ሱዳን፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ንመርገጺ ግብጺ ከምእትግፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣፍሊጡ።

ንሱ ምስ ጋዜጣ ኣል ኣሕራም ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ሒዛቶ ዘላ መርገጺ፣ ምስ ናይ ግብጺ ዘይጻረር ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ፕሮጀክት ዲጋ ተሃድሶ ናይ ኢትዮዮጵያ ንረብሓ ግብጺ ዝሃሲ እንተኾይኑ ከምዘይቅበሎ ኣረዲኡ።

ሱዳን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ስለእትርከብ፣ ዲጋ ተሃድሶ ኣብ ወሓዚ ናይል ዝፈጥሮ ጽልዋ ጸቕጢ ቅድሚ ናብ ግብጺ ምብጽሑ ኣብ ሱዳን ከምዝረኣ’ውን ኣዘኻኺሩ።

ስለዚ ድማ፣ ኣብ ጉዳይ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኻት ምስ ግብጺ ኣብ ሓደ መስመር ኣለና ክብል’ውን ደምዲሙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነዚ መግለጺ ዝሃበ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ወከልቲ ባንክ ዓለምን ምምሕዳር ትራምፕን ዝሳተፍዎ፣ ወሳኒ ዘተ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ብዝምልከት ብመንጎኝነት ኣመሪካ ርክባት ክቕጽል፣ ክትነጽጎ እኳ እንተጸንሐት፣ ምምሕዳር ትራምፕ ድሕሪ ዝገበረላ ጸቕጢ ግና፣ ወከልቲ ባንክ ዓለምን ምምሕዳር ዋሽንግተንን ዝሳተፍዎ ኣኼባታት ክትሳተፍ ተገዲዳ ኣላ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0