ሱዳን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ተገሊጹ

Radio Erena: 09 August 2021

ሱዳን ኣብ ኢትይጵያ ዝነበረ ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ዝተፈላለያ ምንጭታት ዜና ገሊጸን።

እታ ሃገር፣ ብሰንበት 08 ነሓሰ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሰሓበት ዝግለጽ ዘሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ምስ ህወሓት ዘካይዶ ዘሎ ኵናት ሱዳን ክትሽምግል፣ ብኣመሪካን ፈረንሳን ንዝቐረበ ሓሳብ ከምዘይተቐበሎ ምስተነግረ’ዩ።

ሱዳን ክትገብሮ እትኽእል እንተፈሊጡ፣ መንግስቲ ኢትይጵያ፣ ንኹሉ ጻዕርታት ኣብ ክንዲ ምንጻግ፣ መርገጺታቱ ከተመሓይሽ ይኽእል’ዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ድሕሪ ምስሓብ ኣምባሳደሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣሚቱ።

ሱዳን ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ጸግዒ ሒዛ’ያ ካብ ዝብል እምነት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም መንጎኛን ሸምጋሊትን ክቕበላ ከምዘይክእል ኣቐዲሙ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ብ04 ነሓሰ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ሱዳን ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክትወስድን፣ ካብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ምዕራብ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጽጻሕ ኣብ ዘሎ ተኽእሎታትን ተመያይጡ።

ብ31 ሓምለ ድማ፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ከምዝተዘራረበ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣረጋጊጹ።
===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0