ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ‘ግዝኣተይ’ ንዝበለቶ ናይ መወዳእታ ቦታ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ምቕጻላ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 March 2021

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ኣልፋሺጋ ንዝርከብ፣ ባርካት ዝተባህለ ከባቢ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምምንዛዕ፣ መጥቃዕታት ይቕጽል ምህላዉ ተሓቢሩ።

እቲ ሰራዊት፣ ነቲ ‘ናይ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝርከብ’ዩ’ ዝበሎ ከባቢ ንምቁጽጻር፣ ካብ ሰኑይ 1 መጋቢት ኣትሒዙ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወ፣ ንወትሃደራዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፣ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፣ ኩርድያ ንዝተባህለ ከባቢ ድሮ ከምዝተቖጻጸረ ዝሓበረ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከቢድ ክሳራታት ብምስዓብ፣ ናብ ባርከት ይግስግስ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን፣ ኣብቲ ከባቢ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ከምዘለዉ’ዩ ተመልኪቱ።

ይኹን’ምበር፣ ነዚ በቲ ማዕከን ዜና ዝቐረበ ሓበሬታ ብዝምልከት ካብ መንግስታት ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ይኹን ኤርትራ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ሱዳን፣ ንዝበዝሐ ክፋል እቲ ን26 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ኢትዮጵያ ጸኒሑ ዝበለቶ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ዝርከቦ ዞባ ኣልፋሽጋ፣ ካብ 6 ሕዳር ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከምዘእተወቶ’ያ ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጻሩ፣ ሱዳን ዶባት ብምጥሓስ፣ መጥቓዕቲ ከምዝፈነወትላ’ያ ትወቅስ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0