ሱዳን፣ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ 5 ሰላማዊያን ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 19 May 2019

ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይድ ዝነበረ ህዝቢ ዝተወስደ ጨካን ስጉምቲ ከምዘጉሃዮ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ብዕለት 13ን 14ን ግንቦት ስልጣን ካብ ወተሃደራዊ ቆንስል ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገር ዝጠልቡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት፣ ኣብቲ ቦታ ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ ዕጡቓት ብዝወረዶም መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰላማውያን ሰባት ሙማቶም ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ልዕሊ 100 ሰባት ብፎኪስን ከቢድን ዝቖሰሉሉ እቲ ኣጋጣሚ፣ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣባላት ስሩዕ ሰራዊት ከምዘይኮኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ዓለም ቃሎም ሂቦም’ዮም።

ሓያሎ ወገናት እውን እቶም ብሓይሊ ብረት ሰልፈኛታት ክብትኑ ዝፈተኑ ዕጡቓት፣ ኣባላት ምልሻ ጃንጃዊድ፣ ናይ ሕጂ ስሞም ንጡፍ ሰራዊት ሱዳን ሙዃኖም እዮም ዝገልጹ።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሱዳን ክከታተል ዝቖመ ጉጅለ ክኢልታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝግበር ዝኾነ መጥቃዕቲ ክከላኸል ሓላፍነት ከምዘለዎ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ሰላማዊ ህዝቢ ብናጽነትን ብእኩብን ሓሳቡ ክገልጽ መሰል ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ ዘይሕጋዊ ምንባሩ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተኹሲ ዝኸፈቱ ገበነኛታት መርመራ ክግበረሎም ሙዃኑ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ክግበር ዝጸንሐ ዘተ ንሰለስተ መዓልታት ደው ከምዘበሎ እውን ሓቢሩ።

እንተኾነ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን፣ እቲ ወተሃደራዊ ቆንስል ኣብ ልዕሊ’ቶም ግዳያት ንዝተፈጸመ ገበን ቅትለት ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሙ መዓልታት ዘተ ከምዝናናዋሕ ምግባሩ ይነቕፉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0