ሱዳን፣ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ብዝተኸፍተ ተኹሲ ሓሙሽተ ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 14 November 2021

ኣብ ሱዳን፣ ንወተሃደራዊ ዕልዋ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፣ ብውሑዱ 5 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ጠያይትን ዘንብዕ ጋዝን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ከምዝተኮሱ እዮም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ዝህህቡዎ ዘለዉ ሓበሬታ።
ማሕበር ሓካይም ሱዳን ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ወዲ 18ን ወዲ 35ን ዓመት ዝኾኑ ክልተ ሰላማውያን ሰባት ተወጊኦም ኣብ ሕክምና ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ውን ከምዝሞቱ ኣመልኪቱ።
ፖሊስ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ከምዘይተኮሰ ብምግላጽ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ካልኦት ዕጡቓት እዮም ነቲ ቅትለት ፈጺሞሞ ክብል ከሲሱ።
ማሕበር ሓካይም ብተወሳኺ፣ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ኣል ኣርባዒን ዝተባህለ ሆስፒታል ብምእታው ኣብ ልዕሊ ዶክተራትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን መጉዳእቲ ኣውሪዶም፣ ተወጊኦም ንዝተዓቖቡ ሰልፈኛታት ከኣ ብሓይሊ ወሲዶም ክብል ከሲሱ።
ኣንጻር’ቲ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ እንዳሓየለ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዘውርድዎ ዘለዉ መጉዳእቲ ብሓያሎ ኣህጉራውያን ውድባትን መንግስታትን ተቓውሞታት ይገጥሞ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0