ሱዳን፣ ኣብዚ 30 ዓመታት ዜግነትን ፓስፖርትን ናይ ዝወሰዱ ወጻእተኛእታት ተጻሪ ከምዘላ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 25 November 2019

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን፣ ንወጻእተኛታት፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክወሃብ ዝጸንሐ ዜግነትን ፓስፖርትን የጻሪ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ሌ/ጀነራል ኤል ተሪፊ ኢድሪስ ብ21 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ዜግነትን ፓስፖርትን ሱዳን ንወጻኣተኛታት፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክዕድሉ ይኹን ክሸጡ ንዝጸንሑ ሰበ ስልጣን ይኹኑ ካልኦት ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብዚ 30 ዓመታት ዜግነትን ፓስፖርትን ሱዳን ናይ ዝተዋህቦም ወጻእተኛታት ምጽራይ ጀሚሩ ምህላዉኣረጋጊጹ።

እዚ ማለት ኣብ እዋን ስርዓት በሺር፣ ዜግነትን ፓስፖርትን ናይ ዝተዓደሎም ወጻእተኛታት መንነት ብዝርዝር ቀሪቡ፣ መጽናዕቲ ክካየደሉ’ዩ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ፣ ገሊኦም ኣብ ሱዳን ብዝውንንዎ ገዚፍፍ ወፍሪ ፖስፖርት ክወሃቦም እንከሎ፣ ካልኦት ድማ እብ ሱዳን ብዝጸንሕዎ ዓመታትን ካልእ ሕጋዊ ቅጥዕታት ብምምላእን ዜግነት እታ ሃገር ዝሓዙ’ዮም።

እንተኾነ እዚ መስርሕ እዚ ዘይተኸተሉ፣ ብብልሽውናን ካልእ ዘይሕጋዊ ኣገባባትን፣ ዜግነትን ፓስፖርትን ሱዳን ዝሓዙ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ዜጋጋት ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳንን ሶርያን ዝርከብዎም ልዕሊ 250 ሽሕ ወጻእተኛታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ዜግነት ሱዳን ከምዝተዋህቦም ጸብጻባት እታ ሃገር ይጠቕሱ።

ብፍላይ ዜጋታት ሶርያ፣ ናብ ሱዳን ካብ ዝኣተዉላ ዕለት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዜግነት ሱዳን ክሓቱ ከምዝኽእሉ ዝፈቕድ ኣዋጅ ምጽንሑ ይግለጽ።

ኣብ 2016 ጥራይ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ ዝኾኑ ኣስታት 4 ሽሕ ወጽእተኛታት ዜግነት ሱዳን ተዋሂብዎም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0