ሱዳን፣ ‘ኣልበሽር ዘለዎ ምርጫ፣ ኣይንሳተፍን’ ማሊክ ኣጋር

ሱዳን፣ ‘ኣልበሽር ዘለዎ ምርጫ፣ ኣይንሳተፍን’ ማሊክ ኣጋር

Radio Erena: 05 September 2018

 agarመራሒ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሰሜን ሱዳን፣ ን2020 ዝካየድ ፕረዚደታዊ ምርጫ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክሳተፍ የብሉን ኢሉ።

ማሊክ ኣጋር ብ2 መስከረም ምስ መጽሄት ማዳራት ጀዲዳ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ፕረዚደት ኣልበሽር ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ ከም ሕጹይ ዝቐርብ እንተኾይኑ፣ ንሱ ኣብቲ ምርጫ ክሳተፍ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

 

ማሊክ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብቲ ፕረዚደታዊ ምርጫ ንክሳተፍ እኹል ምድላዋት ገይሩ ከምዘሎ፣ ግዚያዊ ናይ መሰጋገሪ መግስቲ ንምምስራት እውን እማመ ኣዳልዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እንተኾነ ኣብቲ ምርጫ ፕረዚደት ኣልበሽር ዝሳተፍ እንተኾይኑ፣ መሰረታዊ ሕግታት ሱዳን የፍርስ ጥራይ ዘይኮነ፣ ህዝባዊ ናዕቢ ከለዓዕል እውን ስለዝኽእል፣ ንሰላምን ምርግጋእን’ታ ሃገር ክብል፣ ስሙ ካብቲ ውድድር ክስሕብ ጸዊዑ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ፣ ንፕረዚደት ኣልበሽር ኣብ 2020 ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ’ታ ሃገር፣ ከም ሕጹይ ተወዳዳሪ ክኸውን እማመ ኣቕሪቡ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0