ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጺን፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይል ክቕጽላ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ተማሕጺኑ

Radio Erena: 17 September 2021

ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ብዛዕባ’ቲ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ብዝምልከት፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ዘተ ክቕጽልኦ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብረቡዕ 15 መስከረም ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ፣ 15 ኣባላት ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ዘተ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ብሕብረት ኣፍሪቃ እናተመርሐ ክቕጽል ጸዊዑ።

ሱዳንን ግብጽን ኣቐዲመን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳያት፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ጣልቃ ክኣትዉ ክሓታ’የን ጸኒሐን።

ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ፣ ስሉሳዊ ዘተ እዘን ሃገራት ብዘይምትእትታው ራብዓይ ኣካል ክካየድ ክትጠልብ እንከላ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ግና ከምእትቕበሎ’ያ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝበዝሐ ጉዳያት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ወሳኒ ተራ ዘይጸንሖ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነዚ ንሱዳን ግብጽን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዓመታት ዘሰሓሓበ ዛዕባ መሪሑ ናብ ስምምዕ ከብጽሖ ዘሎ ተስፋ ምህሙን ምዃኑ’ዮም ተዓዘብቲ ዝጠቕሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሱዳን ንጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ምስቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዶባዊ ግጭት ኣተኣሳሲራ ትርእዮ ስለዘላ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዋላ’ውን ነቲ ኣጀንዳ ክመርሕ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ እንተበጺሐን፣ ብቀሊሉ ዝፍታሕ ከምዘይኮነ ይትንተን።

 

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0