ሱዳን፣ ን13 ሽሕ ናይ ወጻኢ መበቆል ዘለዎም ሱዳናውያን፣ ዜግነት መንጢላ

Radio Erena: 04 March 2020

መንግስቲ ሱዳን፣ ወጻኢ ሃገራት ዝመበቆሎም ኣስታት 13 ሽሕ ሱዳናውያን፣ ዜግነት ከምዝመንጠለት ጋዜጣ ኣል ወጠን ካብ ካርቱም ሓቢራ።

እንተኾነ እዞም ዜግነት ተመንጢሎም ዘለዉ ኣስታት 13 ሽሕ ወጻእተኛታት፣ መበቆል ሃገሮም ይኹን ፓስፖርት ዝተመንጠልሉ ዕለት ኣይተሓበረን።

ኣብ ሱዳን፣ ካብ ሶርያን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝወሓዙ ኣሽሓት ወጻእተኛታት ዜግነት ሱዳን ብምሓዝ ብፓስፖርት ሱዳን ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም’ዮም።

ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ግዝያዊ መንግስቲ፣ ስርዓት ኣልበሺር ናብታ ሃገር ኣቐዲሞም ንዝኣተዉ፣ ኣኽረርቲ ኣመንቲ ምስልምናን ምስ ዝተፈላለየ ጉጅለታት ምትእስሳር ዘለዎም ወጻእተኛታት ብእኩብ ዜግነት ክህብ ከምዝጸንሑ ብምውቃስ፣ ምጽራይ ክገብረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 10ታት ዓመታት፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ፓስፖርት ሱዳን ክሕዙ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ በዚ መንግስቲ ሱዳን ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምጽራይን ዜግነት ናይ ምሕዳግን መስርሕ ዝተጸልዉ ኤርትራውያን ብዛዕባ ምህላዎም ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0