ሱዳን፣ ንዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ብዝምልከት ሕጊ ከተጽድቕ’ያ

ፓርላማ ሱዳን፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ገበነኛታት ኮይኖም ንዝተረኽቡ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ንኽቕጽዑ ዘፍቅድ ብካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ንዝተነድፈ ሓድሽ እማመ ሕጊ ከጽድቕ ትጽቢት ኣሎ።

    መንግስቲ ኤርትራ በንጻሩ፣ ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ካብ ደቆም ካብ ዝተጨወይዎም ገንዘብ ንዝቕበሉን ኣብ ምስግጋርን መሸጣ ደቂ ሰብ ንዝተዋፈሩ ኤርትራውያን ዝወስዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ብወግዒ ኣየፍለጠን።

    ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ፣ ብዝያዳ ንኤርትራውያን ግዳያት ይገብር እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዞ ምፍታኑ ጥራይ እንተዘይኮይኑ፣ ነዚ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለም ኣሰንቢዱ ዘሎ መሸጣ ኤርትራውያን ደው ንምባሉ ብወገኑ ዝወስዶ ተሪር ስጉምቲ ከምዘሎ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

    መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብፍላይ ድማ ምስ ኣመሓደርቲ ናይቲ መበገሲ ምጭዋይን መሸጣን ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ንተሰነይን ከባቢኡን ዘዳውብ ዞባ ምብራቓዊ ሱዳንን ከሰላን ኣብ ቀጻሊ ምዝርራብ ከምዘሎ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ብወግዒ ዝሓበሮ ነገር ግና ዛጊት የለን።

    በንጻሩ፣ ኣመሓደርትን መኮንናት ጸጥታን ዞባ ከሰላ ገዳርፍን ፖርት ሱዳን ቀይሕ ባሕርን ኣቐዲሞም ኣብ ዘካየድዎ ንጸጥታዊ ኩነታት እቲ ዞባን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ብዝምልከት ኣኼባ፣ ነቲ ዘሕጋዊ ተግባር ደው ንምባሉ ተሪር ስጉምቲ ክወስዱ ምዃኖም ኣረጋጊጾም’ዮም።

    ካቢነ ሚኒስተራት ሱዳን ድማ ነዚ ኣብዚ ዘመን ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ምጭዋይን መሸጣን ደቂ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ደው ንምባሉ፣ ኣብቲ ተግባር ኢድ ንዘለዎም ክሳብ 20 ዓመት ብጽኑዕ ንኽእሰሩ ሓድሽ እማመ ሕጊ ነዲፉ ንምጽዳቑ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ከቕርቦ ዝወሰነ።

    ሓንቲ ካብ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል መንግስቲ ሱዳን ዝኾነት ጣሃኒ ቱር ኣል ዲባ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ እቲ ብካቢነ ሚኒስተራት ዝተነድፈ እማመ ሕጊ ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ክቕርብ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

    ንሳ እቲ ሕጊ እንተጸዲቑ፣ ዶብ ሰጊሩ ንዝፍጸም ገበናት’ውን ከምዘጠቓልል ኣረዲኣ።

    ብመሰረት ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን፣ ጣሃኒ ቱር ኣል ዲባ ነዚ ሓበሬታ ዝሃበት፣ ምስ ዲፕሎማሰኛታት ኢምባሲ ኣመሪካ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምዝርራባ’ዩ።

    ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብዛዕባ’ቲ ካብ ሱዳን ዝብገስ ዘሎ ምጭዋይን መሸጣን ደቂ ሰብ ብዝምልከት ምስታ ኣባል ፓርላማ ዝኾነት ሱዳናዊት ከምእተዘራረበን፣ ሱዳን እታ ምንጪ እዚ ኹሉ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ብምዃና መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ገበን ንምግትኡ ጻዕርታት ክገብር ኣቐዲሙ ጸዊዑ’ዩ።

    እታ ሱዳናዊት ፖለቲከኛ ድማ፣ ፕረዚደንት፣ ሃገራዊ ባይቶን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ይከታተልዎ ከምዘለዉን ንምግትኡ ዝከኣሎም ክጽዕሩ ምዃኖም ኣብ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ  መብርሂ ከምዝሃበት ይግለጽ።
    እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታታት ዝፍጸም ዘሎ ምጭዋይ፣ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ሓደ ካብቲ ናይዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፍጸም ዘሎ ዝኸበደ ገበናት ሰብኣውነት ብምዃኑ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለምናን ልዑል ቆላሕታ ይግበራሉ ኣለዋ።

    ኣብዚ እዋን’ዚ ብበዳዌን ራሻይዳን ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ተሓባበርቶምን ዝጠጨውዩ፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ ነቲ ኩነታት ብዕቱብ ዝከታተልዎ ዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ብራሻይዳ በዳዌን ተጨውዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ ካብ ከባቢ ገርገፍን ተሰነይን ናይ ኤርትራ፣ መዓስከር ሸገራብ ናይ ሱዳን ከምኡ’ውን ከሰላን ካልእ ክፋላትን ኤርራን ሱዳንን ዝተወስዱ ምዃኖም ዝፍለጥ’ዩ።

    በዚ ጉዳይ እዚ ቀንዲ ዝጥቀስ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዘይውሑስ  ዞባ ዓለምና ኮይኑ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0