ሱዳን፣ ንዕልዋ መንግስቲ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ብሓድሽ ማዕበል ጀሚሩ

Radio Erena: 20 December 2021

ንናይ ወርሒ ጥቅምቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊታት ሱዳን፣ ብሰፊሑ ይቕጽል ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ብቀዳም ጀሚሩ ሰንበት 20 ታሕሳስ እውን ዝቐጸለ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ሓይልታት ጸጥታ ምቁጽጻሩ ስለዝሰኣኑ፣ ዘንብዕ ጋዝ ብምፍናው ህዝቢ ክብትኑ ከምዝፈተኑ ተገሊጹ።

ቀዳም 19 ታሕሳስ ምሸት ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መስርሕ ህንጸት ደሞክራሲ ሱዳን ከቢድ ብደሆ ገጢሙዎ ከምዘሎ ምስ ገለጸ፣ ህዝቢ ሱዳን ቁጠዐኡ ኣብቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንምግላጽ እዩ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዱዎ።

ብኣግኡ መጠንቀቕታታት ከምዝበጽሖ ዝንገረሉ ሓይልታት ጸጥታ’ቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ዓበይቲ ትካላት መንግስቲ ኣብ ምሕላውን ናብ ከተማ ኻርቱም ዘእቱ መንገድታት ምዕጻውን ከምዝተዋፈረ ተሓቢሩ።

ብፍላይ’ቲ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸመ ዝኽሰስ ‘ፈጣን ሰራዊት ምልሻ’፣ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲን፣ መንበሪ ቤት ኣልቡርሃንን ኣብ ምሕላው ምውፋሩ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ኣብቲ ብከተማታት ፖርት ሱዳንን ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉርን ጀሚሩ ናብ ከተማ ካርቱም ዝለሓመ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ‘ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ይመለስ፣ ስምምዕ ሓምዶክን-ኣልቡርሃንን ኣይንቕበልን፣ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሕጋዊ ባይታ የብሉን’ ዝብሉ ጭርሖታት ከምዝተሰምዑ ይግለጽ።

ሱዳን ካብ ሲቪላዊን ወተሃደራዊን ጉጅለታት ብዝተዋጸአ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቚማ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካል ኣብ እትሸባሸበሉ ዝነበረት እዋን፣ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዕልዋ ብምክያድ ንኩሉ እቲ ስምምዓት ኣፍሪሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታት ድሕሪ ምእዋጁ፣ ህዝቢ ሱዳን ኣብያኡ ብዓውታ ከስምዕ ብምጅማሩ፣ ዛጊት 45 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ሓያሎ ከኣ ከምዝቖሰሉ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0