ሱዳን፣ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ዝድግፉ ኣሽሓት ሰባት ሰለማዊ ሰልፊ ጀሚሮም

Radio Erena: 21 October 2021

ኣብ ሱዳን፣ ነቶም ወትሃደራዊ ዕልዋ ዝድግፉ ሰለፈኛታት ንምቅዋምን፣ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ንምድጋፍን ዝዓለም ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ኣብ21 ጥቅምቲ ኣብ ካርቱም ሓድሽ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወደቡ ጉጅለታት፣ ምስቶም ኣብ ቀጽሪ ቤት መንግስቲ ኮፍ ብምባል ሰልፊ ዘካይዱ ዘለው ደገፍቲ ወትሃደራዊ ዕልዋ ከይጋጨውዩ ተሰጊኡ።

ሰራሕተኛታት ቀዳማይ ረዲኤትን ሆስፒታላንትንን ክስዕብ ካብ ዝኽእል ግጭት ንዝህሰዩ ንምሕጋዝ ምድላዋ ከምዘካየዱ’ውን ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

ንኣስታት 18 ኣዋርሕ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ናብቲ ሲቪላዊ ወገነ መሰጋገሪ መንግስቲ ከረክቦ ትጽቢት ይግበር።

እንተኾነ፣ ንሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ብፍልንቲ ኣቝሙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ሓይልታት ጸጥትኡ ነቲ ሲቪላዊ ወገን ከረክብን ብሲቪላዊ ምምሕዳር መንግስቲ ክእዘዝን ፍቓደኛ ከምዘይኮነን’ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣብ መንጎ እዞም መላፍንቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኾኑ ክልተ ወገናት ምትፍናንን ወጥሪን ዓሪጉ ይርከብ።

ደገፍቲ እዞም ክልተ ደምበታት ዝኾኑ ሱዳናውያን፣ ኣብ ካርቱም ዘካይድዎ ዘለዉ ሰልፍታት’ውን ሱዳን ንዘላቶ ቀራና መንገዲ ዘጉልሕ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0