ሱዳን፣ ናይ ስራሕ ፍቓድ ላዕለዋይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር፣ ከምዘይተሐድሰሉ ኣረጋጊጻ

ሱዳን፣ ናይ ስራሕ ፍቓድ ላዕለዋይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር፣ ከምዘይተሐድሰሉ ኣረጋጊጻ

Radio Erena: 30 May 2016

Iv

መግስቲ ሱዳን ናይ ስራሕ ፍቓድ ላዕለዋይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር፣ ከምዘየሐድስ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኢቮ ፍረይሰን ዝተባህለ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣብ ሱዳን፣ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣብታ ሃገር ከጽንሖ ዝኽእል ፍቓድ ንኽሕደሰሉ’ዩ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብወግዒ ሓቲቱ።

“ሱዳን፣ ንፍቓድ እቲ ላዕለዋይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት እንተዘየሐዲሳ፣ ከም ዝሰጎጎቶ ኢና ንሓስቦ” ክብል፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እኳ እንተጠንቐቐ፣ መንግስቲ ሱዳን ግና ኣብ ውሳኒኡ ጸኒዑ ኣሎ።

 

ናይ ስራሕ ፍቓድ እቲ ላዕለዋይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝመጽእ ሰሙን ሰኑይ 6 ሰነ 2016 ክወድቕ’ዩ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሓሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ወግዓዊ ሕቶ እኳ እንተቕረበ፣ እቲ መንግስቲ ዝኾነ ተወሳኺ መብርሂ ከይሃበ፣ ነቲ ፍቓድ ከምዘይሕድሶ ጥራይ’ዩ ገሊጹ።

ውሳኔ መንግስቲ ሱዳን ንኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ዝጥሕስ’ዩ ብምባል ሕቡራት ሃገራት ኮኒንዎ ኣሎ።

ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ነርወይን ንውሳኔ መንግስቲ ሱዳን ብትሪ ብምቕዋም፣ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል የጠንቕቓ።

መንግስቲ ሱዳን ምስ ሃገራት ምዕራብን ዝጸንሖ ሓርፋፍ ዲፕሎማሲ ናብ ንቡር ንምምላስን፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኡ ዘንበረቶ እገዳ ኸኣ ንክልዓለን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፣ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ምውሳዱ ዘየዋጽእ’ዩ ክብሉ ተንተንቲ የረድኡ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ናይ ስራሕ ፍቓድ ናይቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከይናዋሕ ዝኸልከለሉ ምኽንያት ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።
============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0