ሱዳን፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ የምርሑ ምንባሮም ዝተገልጹ 101 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ድሕሪ ናይ 4 ኣዋርሕ ማሰርቲ ለቒቓቶም

ሱዳን፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ የምርሑ ምንባሮም ዝተገልጹ 101 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ድሕሪ ናይ 4 ኣዋርሕ ማሰርቲ ለቒቓቶም

Radio Erena: 11 August 2015

Egytioan

ሱዳን፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ የምርሑ ምንባሮም ዝተገልጹ 101 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ለቒቓቶም።

እቶም ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ግብጻውያን፣ ንቀዳም 8 ነሓሰ ቤት ፍርዲ ክቀርቡ መደብ እኳ እንተነበረ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብዝሃቦ ሃንደበታዊ ትእዝዝ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ካብ ዝተወሰነ ዕለት ክልተ መዓልታት ኣቐዲሞም ከምዝተለቁ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን። 

ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ድማ፣ ምስ ምስግጋር ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ግብጺ ተቀይዶም ዝነበሩ 77 ሱዳናውያን ብትእዛዝ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ከምዝተለቁ እቲ ማዕከናት ዜና ኣረዲአን።

 

መንግስቲ ግብጺ፣ ድሕሪ ምትሓዞም እዞም 101 ዜጋታቱ፣ ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክሊ ማይ ሃገራት ከኽብሩን ደጊሙ መዘኻኸሪ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ኣብቲ ንኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ዘዋስን ክሊ ማይ፣ የመናውያንን ግብጻውያንን ገፈፍቲ ዓሳ ካብ ክሊ ማይ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ ዝንቀሳቀስሉ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሱዳንን ብቀጻሊ’ዮም ዝተሓዙ።

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ዝኣተዉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ የመናውያን ገፍፈፍቲ ዓሳ ምሓዙ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊራ ዝነበረት ናይ የመን ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ከምዝጠሓለት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣፍሊጡ።

ዜጋታት የመን፣ ኬንያ፣ ኢንዶነዥያን ቬትናምን ዝርከብዎም 34 ሰራሕተኛታት እታ ጃልባ ብሓገዝ ሓለዋ ገማግም እታ ርእሰ ምምሕዳር ከምዝደሓኑ’ውን ተሓቢሩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0