ሱዳን፣ ናብ ሊብያ ዝተበገሱ “ዑሱባት’ዮም” ዝበለቶም 122 ዜጋታታ ኣሲራ

Radio Erena: 30 June 2020

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንምስታፍ ዝተበገሱ’ዮም ዝበሎም 122 ዜጋታቱ ከምዝኣሰረ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ካብ ዝተታሕዙ ሰባት፣ እቶም ሸሞንተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምዃኖም ኣፈኛ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን ብርጋደር ጀማል ጁማ ሓቢሩ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ነዚ ሓበሬታ ዝዝርግሕ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ኣስማ ዓብደላ፣ ሱዳን ኣብ ሊብያ ኢዳ ከምዘየእተወት ዝሃበቶ መግለጺ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ብጀነራል ሓፍታር ዝምራሕ ሓይሊ ከምዝድግፍን፣ ብመንገዲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝዓጠቑ ሱዳናውያን ዑሱባት ድማ ናብ ሊብያ ይዋፈሩ ምህላዎምን ዝተፍላለዩ ወገናት ይወቕሱ።

ካብ ሱዳን ከይወጻእና፣ መንግስቲ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል፣ ኣብ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ዝኣወጆ ሰዓታት እቶ እቶ ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ኣናዊሕዎ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ጽኑዕ ሓለዋ የካይድ ከምዘሎ ዘመልከቱ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና፣ እቲ ሰዓታት እቶ እቶ ካብ ናይ ጥዕና ህጹጽ እዋን ሓሊፉ ፖለቲካዊ መልክዕ ዝሓዘ ከምዝመልስ ኣሚቶም።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0