ሱዳን፣ ትካላት ጸጥታ ሩስያ ተዋፊሮም ምህላዎም ተገሊጹ

ሱዳን፣ ትካላት ጸጥታ ሩስያ ተዋፊሮም ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: 11 January 2019

ኣብ ሱዳን፣ ሓይልታት ጸጥታ ሩስያ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብሓባር ተዋፊሮም ከምዘለዉ ሱዳን ትሪቡን ኣቃሊዑ።

ብዝሒ ናይቶም ካብ ናይ ብሕቲ ናይ ጸጥታ ትካላት ተዓሲቦም፣ ኣብ ሱዳን ተዋፊሮም ዘለዉ ሩስያውያንን ዘካይድዎ ዘለዎ ንጥፈታትን ብዝርዝር ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር፣ እቶም ሓይልታት ጸጥታ፣ ኩባንያታት ሩስያ ዕደና ኣብ ዘካይደሉ፣ ንሱዳንን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ኣብ ዘዳውብ ዞባ ዳርፉር፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምውፋሮም እቲ ምንጪ ይጠቅስ።

ብናይ ብሕቲ ትካላት ዝውነኑ ሓይልታት ጸጥታ ሩስያ፣ ኣብ ሶርያ’ውን ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ምሉእ ጸጥታን ውሕስነትን ኣብ ዘይብለን ሃገራት ዕደና ዘካይዳ ኩባንያታት ዓበይቲ ሃገራት፣ ንጥፈታተን ንምውሓስ ካብ ኣመሪካ፣ ሩስያን ሃገራት ኤውሮጳን ናይ ብሕቲ ናይ ጸጥታ ትካላት ከምዝቖጽራ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ናዕብታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ፖሊስ ሱዳን፣ ብሓሙስ 10 ጥሪ፣ ኣብ ኡምዱርማን ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0