ሱዳን፣ ተቐቲሎም ሬሳኦም ኣብ ሩባ ተከዘ ዝተረኽበ ተወላዶ ትግራይ ብዝምልከት፣ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣዘራሪባ

Radio Erena: 09 September 2021

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቶም ተቐቲሎም፣ ሬሳኦም ኣብ ሩባ ተከዘ ዝተረኽበ 29 ተወላዶ ትግራይ ብዝምልከት፣ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ከምዘዘራረበ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ንዝመደበሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፣ ብ30 ነሓሰ’ዩ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ኣዘራሪብዎ።

እቶም ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ፣ ሬስኦም ኣብ ሩባ ተከዘ ዝተረኽቡ ኢትዮጵያውያን ተወላዶ ትግራይ ምዃኖም፣ ካብ ኵናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን መዓስከር ወደልሒሉ ዝተዓቝቡ ስደተኛታት’ዮም ኣረጋጊጾም።

ሓያሎ ካብቶም ዝተቐትሉ ተወላዶ ትግራይ፣ ኣእዳዎም ንድሕሪት ተኣሲሩ፣ ካብ ቀረባ ርሕቀት ዝተረሸኑ ምንባሮም፣ ኣብቲ ዝተኣከበ ሬሳታት ዝተኻየደ ሕክምናዊ መርመራ ይእንፍት።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ምልሻታት ኣምሓራን፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት ሑመራ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ፣ ምቕታል ንጹሃት ሰባት ዝርከቦ ዝተፈላለየ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ክስታት በብእዋኑ ይውሕዝ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝኣተውዎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፣ ብጅምላ ሰለማውያን ሰባት ቀቲሎም ክብል ወቒሱ።

እቲ መንግስቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ከባቢ ዳባት ጥራይ 120 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣመልኪቱ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ዳባት፣ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክዕቆብሉ፣ ዝተሃንጸ ሓድሽ መዓስከር ዝርከበሉ ከባቢ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይ ብሄር ግጭታት ንቡር ተርእዮ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብፍላይ ኣብ መንጎ ተወላዶ ትግራይን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ምፍሳስ ደም፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፣ ዓለምና ካብ ዝረኣየቶ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ዓሌታዊ ግጭታት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0