ሱዳን፣ ብዝሙት ዝተኸሰሰት ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ተፈሪዳ

Radio Erena: 13 July 2022

ዞባዊ ቤት ፍርዲ ሱዳን፣ ብዝሙት ተኸሲሳ ንዝመጸቶ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ፣ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ምውሳኑ፣ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ወቒሰን።

እታ ማርያም ኣልሰይድ ቲራብ ዝተባህለት መንእሰይ፣ ኣብ ደቡባዊ ሱዳን፣ ዞባ ጻዕዳ ናይል፣ ብ26 ሰነ ናብ ፍርዲ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን’ዩ፣ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ተወሲኑላ።

እቲ ናይ ሞት ብይን ተግባራዊ ክኸውን፣ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሱዳን፣ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ይጽበ ኣሎ።

ነታ ጓለንስተይቲ ብዝሙት ገበነኛ ኢሉ ብምውሳን፣ ብመሰረት ሕጊ ሸዓ እስልምና፣ ብዳርባ እምኒ ብሞት ክትቅተል ዝወሰነ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምስኣ ዝሙት ዝፈጸመ ወዲተባዕታይ ዘሕለፎ ውሳኔ ኣይተሰምዐን።

ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓ እስልምና፣ ብሕዱድ ዝፍለጡ፣ ከም ስርቂ፣ ኣልኮላዊ መስተን ዝሙትን ዝኣመሰሉ ገበናት፣ ምቑራጽ ኢድ፣ ምኹርማጅን ብዳርባ እምኒ ምቕታልን ዝርከብዎም መቕጻዕታት’ዩ ዘለዎም።

ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት፣ ብሕጊ ሸሪዓ እስልምና ክትመሓደር ዝጸንሐት ሱዳን፣ በዚ ገበን እዚ ዝተኸሰሱ ዜጋታታ፣ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ክትብይን እኳ እንተጸንሐት፣ ብዳርባ እምኒ ምቕታል ግና ሳሕቲ ዝወሃብ ብይን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ደሞክራስያዊ ስርዓተ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ዘተ እትርከብ ሱዳን፣ ሕግታት ሸሪዓን እስላማዊ መቕጽዒ ገበንን፣ ክእለ ዝብል ሓደ ካብ መዛተዪ ነጥብታት ምዃኑ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0