ሱዳን፣ ሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን፣ ሓድሕዳዊ ግጭት ኣካይዶም

ሱዳን፣ ሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን፣ ሓድሕዳዊ ግጭት ኣካይዶም

Radio Erena: 29 January 2019

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ከተማ ፖርት ሱዳን፣ ሰራዊት ምስ ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ድሕሪ ዘካየድዎ ግጭት፣ ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ተገሊጹ።

እቲ ዝተቐትለ ሰብ፣ ኣባል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ቻይና – ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ኣዛዚ ፖሊስ፣ ሜጀር ጀነራል፣ መሓመድ ሙሳ ዑመር ብዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ግጭት፣ ሓደ ኣባል ጸጥታ ከምዝተቐትለ ብምርግጋጽ፣ ሓያሎ ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።

ጠንቂ’ቲ ግጭት ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢን ኣተኣላልይኡን፣ ካብ ክልቲኦም ወገን ድሕሪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ሰራዊት ሱዳን፣ ምስ ንፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣን ክእለ ዝጽውዕ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ክጽንበር ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ጽንጽንታ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

ይኩን’ምበር ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን እታ ሃገር፣ ሰራዊት ሱዳና ንፕረዚደንት በሽር ዘለዎ ደገፍ ምግላጹ ይዝከር።

ፕረዚደንት በሽር፣ ኣንጻሩ ተጓሃሂሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምጉዕጻጽ ዘዋፈሮም ሓይልታት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ቅትለት፣ ማእሰርትን ካልእ ግፍዕታትን ይፍጽሙ ከምዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ይወቕሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0